ንባባት ኤፌ፡ 6፡~10 ራእ 12፡1~13 ግ.ሓ. 7፡23~30 ሉቃ 1፡39~46 መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ ወዕፁብ. . . . . “ሥራሕ ጥበቡ ዘገርምን ዘደንቕን እዩ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ አባና ምሕረቱ ገለጸ”። አብ ዓለም ዝርከብ ፍጡር ኩሉ ክብሪ አምላኽ ይገልጽ። መዝሙር ናይ ሎሚ አምላኽ ብስነ ጽባቐ ፍጡራት ዕሞቕ ፍቕሩ ከምዝገለጸ ይገልጸልና። ናይ ፍጡራት መልክዕ ነቲ ፈጠሪኦም ዝሃቦም ህያብ ይምስክሩ። ኩሉ ተዋሂቡ እዩ። ፍጡራት ካብ ኮና ተዋሂብና ኢና። ውህበት አምላኽ ነቲ ዝተዋህቦ ዝለዓለ ህያብ እዩ። ክከም ዓቕምና ነናትና ህያብ አሎና። ነዚ ወሃቢ አምላኽ ክነምስግኖ ግቡእ እዩ።፪ይ ሰንበት ዘጽጌ ህያብ አምላኽ ብማርያም ክነስተንትን ይሕግዘና። ማርያም ብስራት መድሓኒን ናይ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ምጽናስን ብመልአኽ ምስተነግራ ተቐላጢፋ ናብ እንዳ ዘካርያስ ክትሕግዝ ኸይዳ። ምኽንያቱ ኤልሳበጥ ብጽሕቲ ነፍሰጾር ስለ ዝነበረት። ማርያም ክትጉዓዝ እንከላ አብ ከርሳ ኢየሱስ ሕጻን ነሩ። ከም ታቦተ ኪዳን አብ ከርሳ ጸራቶ ትጉዓዝ ነራ። ነቲ ሰማያት ክጾርዎ ዘይክእሉ ንሳ አብ ከርሳ ጾሮቶ ይብለና ውድሴ ማርያም። አብ መገዲ ብዙሓት ዝጓነፍዋ ዝነበሩ አብ ከርሳ ዝነበረ እንተ ዝፈልጡ እንታይ ኮን ምበሉ ብርግጽ ንአአን ንወዳን ፍሉይ ክብሪ ሂቦም መገልገልዋ። ዕብየት ወዳ ንአአ እውን መዕበያ። ማርያም ጉዕዝአ ቀጺላ አብ እንዳ ዘካርያስ ምስ በጽሐት ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዋ ክትንበ ጀመረት፥ አብ ከርሳ ዝነበረ ዮሓንስ ምስ ማርያም ምስ ተራኸበ ብተሕጓስ ክሰራሰር ጀመረ እዚ ኸአ ዮሓንስ ናይ ኢየሱስ ጎይታ መን ምዃኑ ጌና አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ስለ ዘላለየ እዩ። አበው ነዚ ከስተንትኑ ከለዉ ዮሓንስ ሽኡ ተጠሚቝ ይብሉ። ንሉቃስ ወንጌላውን ንብዙሓት ተርጎምቲ ቅዱስ መጽሓፍን ሰውነት ደቂ ሰብ ናይ አምላኽ ናይ ድሕነት ሥራሕ መጋበሪ ከምዝኾነ ይገልጹ። እዚ እዩ ትስብእቲ ክርስቶስ ዝነግረና። ማርያም አብ ከርሳ ትስብእትን አምላኽነትን ብሓደ ጸራቶ። ሉቃስ ብንጹር ፍልልይ ማርያምን ኤልሳቤጥን፥ ኢየሱስን ዮውሓንስን ይነግረና። ኢየሱስ መሲሕ ወዲ አምላኽ ብሞቱን ትንሣኤኡን ንዓለም ጨሪሹ ዝቕይር እዩ። አብ ኢየሱስ ውህደት አምላኽነትን ትስብእትን ብግሉጽ አብ ምድሓን ደቂ ሰብ ተራእዩ። እዚ ኹሉ ተግባራዊ ክኸውን ቀንዲ መጋበሪ ዝኾነ እቲ ካብ ማርያም ብዝተወስደ ሥጋ እዩ። ማርያም አብ ገዛ ዘካርያስ ክትከይድ ዘገደዳ ነገራት እንተ ርኤና፥