ንባባት፡ 2ቆሮንጦስ 8፡1~10 ራእ 12፡1~13 ግ.ሓ. 1፡12~14 ዮሓ 19፡25~2 መዝሙር፥ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . . ። “ሥራሕ ጥበቡ ዘገርም ዘደንቕን እዩ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ ኣባና ምሕረቱ ገለጸ. . . ምስ ኖኅ ኪዳን ዝአቶኻ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን አሎ፥ ኩሉ እዩ ካባኻ ዝጽበ ከማኻ መሓሪ መን አሎ” እናበለ መጨረሻ ነቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ንስብከትን ንመስዋዕትን ብምስዳዱ ምሕረቱ ገለጸ። ፫ይ ሰንበት ዘጽጌ ማርያም አደ ቤተክርስትያን ብዝብል አርእስቲ ክነስተንትኖ።አብ ክርስትያናዊ እምነትና ንማርያም በቲ ምስ አምላኽ ዘለዋ ርክብ ዝተፈላለየ አስማት ንህባ፥ አደ አምላኽ፥ አደ ቤተክርስትያን፥ ንጽሕቲ ድንግል፥ አደ ሕያዋን. . . .ንብላ። ንማርያም ዝተፈላለየ አስማት እንህባ ብኽልተ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል፥ ሀ. ሰባት ብባሕርይና ንሓደ እንፈትዎ ወይ ፍሉይ ነገር ዝገብር በቲ ዝገበሮ ስም ንህቦ እዚ ኸአ ናቱ/ታ እንታይነት ክንገልጽ፥ ስለ እንፈትዎ/እነፍቅሮ መግልጺ ፍቕርና ዝተፈላለየ ስም ንህቦ። ለ. ንማርያም ብዙሕ አስማት ምሃብ ዕምቆትን ናይ እቲ ንሳ አብ ጉዳይ ድሕነት ዝተጻወተቶ ተራ ንምግላጽ እዩ። ንሳ ዝተፈላለየ አስማት አልአ ምኽንያቱ አምላኽ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብአአ ገሩ ፍቕሩን ምሕረቱን ገሊጹልና እዩ። አደ ንብላ አደ ዝብል ቃል ንሓንቲ ዝወለደት ዝውሃብ ቃል እዩ እዚ ኸአ ንሳ ምንጪ ናይ ሓዲስ ሕይወት ምዃና ዝገልጽ እዩ፥ ሕይወት ከአ አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ምንባር ዝለዓለ ነገር እዩ። ማርያም አደ ኢየሱስ ብትስብእቱ እያ። ኢየሱስ አምላኽ፥ ቃል፥ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ እዩ። ስለዚ አደ አምላኽ እያ። አብ ጉባኤ ኤፈሱስ ብ431 ዓ.ም. ብዕሊ ተአዊጁ እምነት ቤተክርስትያን ከአ ኮይኑ ካብኡ ንድሓር አደ አምላክ ለምንልና ንብላ። አብ ምውዳእ ካልአይ ጉባ ቫቲካን ጳውሎስ ፮ ብዕሊ አደ ቤተክርስትያን ዝብል ስም ሂቦማ። እዚ ኸአ ናይ ማርያም መንፈሳዊ አደነት ንነፍስወከፍ አማናይ ንምግላጽ እዩ። ክርስቶስ ርእሲ ክኸውን እንከሎ፥ ቤተክርስትያን ከአ ሰውነቱ እያ፥ ክርስቶስ ሰውነቱ ካብ ማርያም ካብ ወሰዶ ንሳ አደ ቤተክርስትያን እያ። እምብአር ሓደ ካብቲ ንማርያም ዝውሃብ አስማት አደ ቤተክርስትያን ዝብል እዩ። ንሳ አደ ክርስቶስ ጥራሕ አይኮነትን እንታይ ድአ አደ ኩላትና እያ። አብ ብዙሕ ብራናታት አበውን ትምህርቲ ቤተክርስትያን አደ ሕያዋን ዝብል ንረክብ። ንሳ አደ ዘብላ ንኢየሱስ መድሓኒና ወሊዳ ምስኡ ብእምነትን ጥምቀትን ተወሃሂዳ በዚ ንሕና ናይ እታ ሰውነቱ ዝኾነት ማሕበር አባልት ሰውነቱ ንኸውን። ንሕና አባላት ሰውነት ክርስቶስ ስለ ዝኾና ማርያም ከአ ብሥጋ ንክርስቶስ ስለ ዝወለደት አሕዋት ክርስቶስ ደቂ ማርያም ኢና። እዚ አደነት ማርያም ብአካላዊ ውልዱነት ዘይኮነ ብመንፈሳዊ ምውላድ እዩ። ንማርያም አደ ዘብላ አብ ክልተ ቀንዲ ነገራት ናይ ሕይወታ ዝተመስረተ እዩ፥