ሬድዮ  ቫቲካንሬድዮ  ቫቲካን
ሬድዮ  ቫቲካን  

ክፍልታት


  ናይ ፍቕሪ ሥራሕን
   ምትኅብባርን



  ቤተ ክርስቲያን


  ባህልን ኅብረተ-ሰብን


  ናይ ቫቲካን መዛግብ

  ሲኖዶስ


  ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን


  ሥድራ ቤት


  መንእሰያት


  ፍትሕን ሰላምን


  ፖሊቲካ


  ሃይማኖትን ዘተን


  ፍልጠትን ሥነ-ምግባርን


  ጕባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት
   መልአከ እግዚአብሔርን



  ሐዋርያውያን ዑደታት


cx_t06


ገጽ መርበብ ሓበሬታ > ቤት ክርስቲያን > ዜናታት


05/11/2009 14.34.29



ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህሊ







ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብዘቕረበሎም ዕድመ መሠረት ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሮም ኣብ ሃቫና ዝርከቡ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ጽባሕ ንጎሆ ንብጹዓን ጳጳሳት ኩባ፣ ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃንን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህልን ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ካብ ሃቫና ቤት ጽሕፈት ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኩባ ዘመሓላለፎ መገለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ በቲ ነርባዕተ መዓልቲ ዝቕጽል ሓዋርያዊ ብጻሕ መሠረት ድማ ሎሚ ኣብ ሃቫና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኩባ ብጹዓን ጳጳሳዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ይሳተፉ ከምዘለዉን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ናይ ኩባ መራኸቢ ብዙኃን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ሰበ ሥልጣናትን፣ ብፍላይ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ካርዲና ታርቺዚዮ በርቶነ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓ.ም.ፈ. ቀጺሎም ናይ ቅዱሳን ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኾሴ ሳራይቫ ማርቲንስ ኣብ ኩባ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብምጥቃስ ዝፍጸሙ ዘለዉ ርክባት ብዝምልከት ሰፊሕ ሓተታ የቕርባ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ኣብ ኩባ ራውል ካስትሮ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ምስ ተሾሙ ኣብ ሃቫና ናይ ፈለማ ዓለም ለኻዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ምዃኖም እውን ናይ ላቲን ኣመሪካ መራኸቡ ብዙሃን የዘኻኽራ። እዞም ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ሓዋርያዊ ምብጻሕን እቲ ኣብ መንጎ ቅድቲ መንበርን ኩባን ዘሎ ርክብ እንታይ ከምዝመስል ዝገልጽን ርክባተን ዓቢይ ምምሕያሽ እናርኣየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ።


« ናብ መውፅእ ኣርእስቲ ተመለሱ






07/11/2009 13.32.30
ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ኣብ ኩባ



05/11/2009 14.35.40
ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ



05/11/2009 14.33.20
መነባብሮን ውፉይ ሕይወት ገዳማውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ



03/11/2009 13.51.32
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መካነ መቓብር ቫቲካን ጸሎት ኣዕሪጎም



03/11/2009 13.47.49
ምእንቲ ሙታን ጸሎት ምግባር ከምዘድሊ

 




ተዛማዲ ክፍልታት


ዝኀለፈ
  ገጽ  ዝኀለፈ ገጽ
ገጽ
  መርበብ ሓበሬታ  ገጽ መርበብ ሓበሬታ
ናብ
  ክፍሊ ምስንዳው
  መደባት ንምጽሓፍ  ናብ ክፍሊ ምስንዳው መደባት ንምጽሓፍ
top
top
All the contents on this site are copyrighted . Webmaster / Credits / Legal Conditions
top
top