ሬድዮ  ቫቲካንሬድዮ  ቫቲካን
ሬድዮ  ቫቲካን  

ክፍልታት


  ናይ ፍቕሪ ሥራሕን
   ምትኅብባርን



  ቤተ ክርስቲያን


  ባህልን ኅብረተ-ሰብን


  ናይ ቫቲካን መዛግብ

  ሲኖዶስ


  ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን


  ሥድራ ቤት


  መንእሰያት


  ፍትሕን ሰላምን


  ፖሊቲካ


  ሃይማኖትን ዘተን


  ፍልጠትን ሥነ-ምግባርን


  ጕባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት
   መልአከ እግዚአብሔርን



  ሐዋርያውያን ዑደታት


cx_t06


ገጽ መርበብ ሓበሬታ > ቤት ክርስቲያን > ዜናታት


05/11/2009 14.35.40



ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ







ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ ከምዘብዓለት ተገሊጹ። ቅዱስ ቦሮመዮ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ኣብ ሚላኖ ዝነብር ዝነበረን ገና ወዲ 22 ዓመት ዕድመ እንከሎ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ዝተቐበለን ኣብ ድላይ ቤተ ክርስትያንን ምእመናን ዓቢ ሓዋርያዊ ኣተኵሮ ዝገበርረን ምዃኑ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ንኽብሪ ቅዱስ ቦሮመዮ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካቴድራል ሚላኖ መንበረ ጳጳስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዝገለጹ ተረጋጊጹ።

ቅዱስ ካሮሎ ቦሮመዮስ ምስ ቅዱስ ኣምበሮዚዮስ ናይ ሚላኖ ከተማ ሓላዊ ቅዱስ ከምዝኾነ ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ቅዱስ ቦሮመዮ መንፈሳዊ ጸጋታት መርህ ገይሮም ዝቖመ ብማኅበር ስካላብሪኒያኒ ዝፍለጥ ማኅበረ ልኡካነ ወንጌል ምክትል ሓለቓ ኣባ ሊቪዮ ስተላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ካሮሎ ቦሮመዮ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተመልኤን ኣብ ጸሎትን ናይ ፍቕሪ ሥራሕን ዝተጸምደን ኣብ ፍቕሪ ብጻይ ናይ ምትጋህ ኣብነትን ከምዝኾነን፣ ፈታው ድኻታትን ሕዙናትን ዘኽታማትን ከምዝነበረ እውን ገሊጾም፣ ኣብ 1610 ዓ.ም.ፈ. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ራብዓይ ኣቦ ድኻታት ብዝብል ሽም፣ ቅድስና ከምዝኣወጁሉን፣ ብፁዕ ስካላብሪኒ ነዚ ናይ ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ መንፈሳውነት ኣስተማቒሩን መርሕ መፍነሳዊ ኣገልግሎቱን ገይሩ ኣብ ሕይወት ቅድስናን ኣገልግሎትን ኣብነት ቅድስና ቦሮመዮ መሪህ ገይሩ፣ ድኻታት ኣብ ምግልጋል ሕይወቱ ዘሕለፈ ምዃኑ ገሊጾም።

ቅዱስ ቦሮመዮ ንናይ ሚላኖ ካህናት ቃል እግዚኣብሔር ቅድም ቀዳድም ብሕይወትኩም መስክርዎ ክብል ወትሩ ይምዕድ ከምዝነበረ ኣባ ስተላ ገሊጾም፣ ድኻታትን ዘኽታማትን ናባኻ በጃኻ ቢሎም ቅድሚ ምምጻኦም ኬድካ ርኸቦም ዝብል ናይቲ ናባና ዝወረደ ፍጽሙ ፍቕሪ ዓቢይ መስክር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።


« ናብ መውፅእ ኣርእስቲ ተመለሱ






10/11/2009 14.11.48
ሓዋርያዊ ሕጊ፣ ብዛዕባ ኣንግሊካውያን



07/11/2009 13.32.30
ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ኣብ ኩባ



05/11/2009 14.34.29
ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህሊ



05/11/2009 14.33.20
መነባብሮን ውፉይ ሕይወት ገዳማውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ



03/11/2009 13.51.32
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መካነ መቓብር ቫቲካን ጸሎት ኣዕሪጎም




ተዛማዲ ክፍልታት


ዝኀለፈ
  ገጽ  ዝኀለፈ ገጽ
ገጽ
  መርበብ ሓበሬታ  ገጽ መርበብ ሓበሬታ
ናብ
  ክፍሊ ምስንዳው
  መደባት ንምጽሓፍ  ናብ ክፍሊ ምስንዳው መደባት ንምጽሓፍ
top
top
All the contents on this site are copyrighted . Webmaster / Credits / Legal Conditions
top
top