ሬድዮ  ቫቲካንሬድዮ  ቫቲካን
ሬድዮ  ቫቲካን  

ክፍልታት


  ናይ ፍቕሪ ሥራሕን
   ምትኅብባርን



  ቤተ ክርስቲያን


  ባህልን ኅብረተ-ሰብን


  ናይ ቫቲካን መዛግብ

  ሲኖዶስ


  ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን


  ሥድራ ቤት


  መንእሰያት


  ፍትሕን ሰላምን


  ፖሊቲካ


  ሃይማኖትን ዘተን


  ፍልጠትን ሥነ-ምግባርን


  ጕባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት
   መልአከ እግዚአብሔርን



  ሐዋርያውያን ዑደታት


cx_t06


ገጽ መርበብ ሓበሬታ > ቤት ክርስቲያን > ዜናታት


07/11/2009 13.32.30



ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ኣብ ኩባ







ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ኣኼባኡ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤን ኣብ ኩባ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ሓድሽ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ኩባ ብፁዕ ኣቡነ አንጀሎ ቤቺዩ ንናይ ኩባ ቤተ ክርስትያንን ካህናትን ምእመናንን ዓቢ ምኽንያት ሓጎስ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሃቫና ካቴድራል፣ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ካሮሎ ቦሮመዮን ውግዓዊ ምጅማር ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽንያት ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓድሽ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ አንጀሎ በቺዩ ምስ መእመናን ኩባ ተላልዮምን ናይ ኩባ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ንናይ ሮማ ጳጳስ ዘለዋ ተኣማንነትን ሕጂ እውን ቀጻሊ ኮይኑ ወትሩ ከተረጋግጾን ብዘሎዎም ዓቕምን ክእለትን ምሉእ ምትሕብብራር ከገብሩ ምዃኖም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ በቺዩ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ክሪስቶፎሮ ምስ በጽሑ ብናይ ሃቫና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርቴጋን ካልኦት ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳትን ብሓባር ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም እንክንገር እቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኩሎም ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ኩባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገብሩ ዘለዉ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ብሓባር መሪሖም ነቲ ዝተገበረሎም ኣቀባብላን ብናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ሳንቲያጎ ዘ ኩባ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዲዮኒሲዮ ግራሲያ ኢባኘዝ ንዝቐረበሎም ናይ እንቋዕ ደሓም መጻእኩም ናይ ሰናይ ኣገልግልጎት ትምኒት መልእኽቲ ኣመስጊኖም ናይ ኩባ ቤተ ክርስትያን ናይ ተስፋ ክቡር ዋጋ ክትነብርን ክትምስክርን ኣተባቢዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ መራኸቢ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኣብ ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብሽም ቅዱስ ኣቦና ተረኺቦም ዝሳተፉን ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህሊ ብዝብል ኣርእስቲ እስተምህሮ ዘቕረቡ ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ትማሊ ምስ ፍራስ ፕረስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ናይ ኩባ ቤተ ክርስትያን ንሕዝቢ ኩባ ከተተባብዕን ክርስትያናዊ ክቡር ዋጋ ክነብርን ናይ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ንምስፍሕፋሕ ናይ ሓደሽ ቅመራዊ ስልቲ ዝኽተል ምዕቡል መራኸቢ ብዙኃን ናይ ምጥቃም መስል ክህልዋ ከምዝተሓሳሰቡን ክንገር እንከሎ፣ ምስ ኣንሳ ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ እቲ ሓሳብ ንመንግሥቲ ኩባ ከቕርቡ እውን ምዃኖምን ኣብ መንጎ ቅድቲ መንበርን ኩባን ዘሎ ርክብ ዓቢይ ምምሕያሽ እናርኣየ ይኸይድ ከምዘሎን ከምዝሓበሩ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።


« ናብ መውፅእ ኣርእስቲ ተመለሱ






12/11/2009 14.05.26
ብፁዕ ኣቡነ ሚሊዮረ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር



10/11/2009 14.11.48
ሓዋርያዊ ሕጊ፣ ብዛዕባ ኣንግሊካውያን



05/11/2009 14.35.40
ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ



05/11/2009 14.34.29
ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህሊ



05/11/2009 14.33.20
መነባብሮን ውፉይ ሕይወት ገዳማውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ




ተዛማዲ ክፍልታት


ዝኀለፈ
  ገጽ  ዝኀለፈ ገጽ
ገጽ
  መርበብ ሓበሬታ  ገጽ መርበብ ሓበሬታ
ናብ
  ክፍሊ ምስንዳው
  መደባት ንምጽሓፍ  ናብ ክፍሊ ምስንዳው መደባት ንምጽሓፍ
top
top
All the contents on this site are copyrighted . Webmaster / Credits / Legal Conditions
top
top